Skip to main content
Skip to main content.

ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ

ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ ከኣ ን ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ (ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ) ዘጠቓልል ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጉዳያት የተኩር። ናይ ትሕቲ ዕድመ ጽግዕተኛነት ጉዳያት ከኣ ን ምብዳልን ከምኡ'ውን/ወይ ምግላልን ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣመስለ ጉዳያት የጠቓልል  ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጉዳያት ከኣ ንምጥሓስ ገበናዊ ሕግታት ብ ትሕቲ ዕድመ የጠቓልል። 

ምልክታታት

ብዛዕባ እቲ ክርከብ ዝከኣል ኣገልግሎታት ቤት ፍርዲ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ብኽብረትካ ነቲ እቲ ንቤት ፍርዲ  ኢሉ ዝተዋህበ COVID-19 መርበብ ሓበሬታ ርአ። 

ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴን ሕግን

ብዙሓት ዓይነታት ጉዳያት ድማ ንቆልዑ የጠቓሉሉ፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ ጽግዕተኛን ናይ ትሕቲ ዕድመ በደልን የጠቓልል። ናይ ቆልዓ ምእላይን ናይ ቆልዓ ደገፍን ከኣ ኣብ ናይ ስድራቤት ሕጊ ክፋል ናይ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒሶም ኣለዉ።

ሞግዚትነት ድማ ኣብ ናይ  ኣመክሮ  ክፋል ተጠቒሶም ኣለው፡ ከምኡ ድማ ናይ ስም ለውጥታት ከኣ ኣብ ናይ ነብስኻ ምሕጋዝ ክፋልተጠቒሶም ኣለዉ።

ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣርእስትታትን ብቐጻሊ ዝሕተት ሕቶታትን ብዛዕባ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ጠውቑ።

ኣብዚ ክትፈልጥዎ ትኽእሉ ድማ፡

እዚ ቦታ ድማ ብዛዕባ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ጨንፈር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ካሊፎርኒያ፡ ናይ ካውንቲ Alameda ሓበሬታ ይህብ።

ሓበሬታ ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡

  • ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕን ጉዳያትን
  • ሓገዝ ዝህባ ፍሉያት ኣብያተ ፍርዲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ (ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ)
  • ቅድምን ድሕርን ጉዳይ ምርኣዩ ዘሎ መደባት ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ
  • ን ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ ዘሎ ኮማዊ ጸጋታት

ኣብ'ዚ ክትገብርዎም ትኽእሉ ነገራት፡

  • ገምጋም ስእሊ ጉዳያት በደል ከመይ ኢሉ ብመገዲ ቤት ፍርዲ ይሓልፍ።
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴን ወለዶምን ንምሕጋዝ ዘሎ መላግቦታት ናይ ካልኦት ህሉው ጸጋታት።

ኣብ'ዚ ክትገብርዎም ዘትኽእሉ ነገራት፡ 

  • ሕጋዊ ምኽሪ ርኸቡ
  • ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ሰነዳት ምልእዎም ወይ ድማ ብ ኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ የእትዉዎ

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡ 

  • ንሕና መን ኢና
  • ዕላማ ናይ በደል ቤት ፍርዲ
  • ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ ናይ በደል ቤት ፍርዲ መን እዩ ዝቐርብ

1. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ጽግዕተኛ ቤት ፍርዲ እንታይ እዩ፧

ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ድማ ጨንፈር ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ካሊፎርኒያ ናይ Alameda ካውንቲ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ብስተይት ድማ ንጉዳያት ናይ ብኮተቴ ዝፍጸም ገበን ንምስማዕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ። እቶም ሕጋውያን ስጉምትታት ኣብ'ዚ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ፡ ኣዋጅ  ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ትካላትን ኣብ ክፋል 602 ተገሊጹ ኣሎ

2. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ዕላማ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ከኣ ብሓጋጊ ኣካል ናይ ስተይት ኣብ ኣዋጅ ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ትካላትን ኣብ ክፋል 202 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ'ዚ ክፋል ናይዚ ኣዋጅ ድማ እቲ ሓጋጊ ኣካል እቲ ብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምክልኻልን ድሕነትን ናይ ሓፋሽን ከምኡ ድማ ናይቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝመጸ ኮተቴ ከዳሉ ኣለዎ። ደያኑ ናይ'ዚ ቤት ፍርዲ ድማ ንረብሓ ድሕነትን ምክልኻልን ናይ ሓፋሽ ወይ ህዝቢ፡ ንኣገዳስነት ምእራም ጉድኣት ናይ ግዳይን ንዝሓሸ ረብሓ ናይ ኮተቴን ከመዓራርይ ትጽቢት ይግበረሎም። ዳኛ ሓንሳብ ውሳኔ ምስ ሃበ፡ ቤት ፍርዲ ጣልቃ ኣትዩ ናይቲ ኮተቴ መጻኢ ክቆጻጸር እዩ። ውሳኔ ናይ'ቲ ኮተቴ ዝወስዶ ዓይነት ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን ከኣ ናይቲ ኮቲተ ዝሓሸ ረብሓ ኣብ ግምት ክኣትው ኣለዎ፡ ነቲ ጠባዩ/ያ ድማ ብሓላፍነት ይሕዞን ከምኡ ከኣ ነቲ ኩነታት ናይ'ቲ በደል ድማ ግቡእ እዩ። እዚ መምርሒ ድማ ምስቲ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ተማእዛዚ ንሕጊ ዝኾነን ኣፍራዪ ዜጋን ኣባል ስድራኡ/ኣ ከምኡ'ውን ሕብረተሰብ ዝሕግዝ ዝሰማማዕ ተሃድሶ ከጠቓልል ይኽእል'ዩ።

3. ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ  ናይ በደል ቤት ፍርዲ እንታይ ይቐርብ፧

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ሰብ ከኣ ብሓፈሽኡ ዝኾነ ትሕቲ 18 ኣብ ቀረባ ዓመታት እቲ ሕጊ ከኣ ሓደ 14 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሚኡ ሰብ ኮይኑ እሞ ገለ ከቢድ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ናይ ዓበይቲ ናይ ገበን ቤት ፍርዲ እምበር ኣብ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ዘይኮነ ክኽሰስ ይክኣል እዩ ክጽውዖም ተመሓይሹ እዩ።

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡

  • ፍርዳዊ ሞኮንናትን ኣባላትን
  • ኣኽባር ሕጊ ዞባ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ/ወለዲ ጠበቓ
  • ተርጎምቲ
  • ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሞኮንናት
  • ወለዲ ወይ ሞግዚታት
  • ናብ ጉዳያትን መዛግብትን ህዝቢ ክርእዮ ምኽኣል

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጉዳይ ኣየኖት ናይ ቤት ፍርዲ ኣባላት እዮም ዝሳተፉ፧ 

ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዘለው ኣባላት ከኣ ነዚኦም የጣምር:

  • ሽመኛ ወይ ውላድ ዳኛ፡ እዚ ከኣ ኣብ ክፍሊ ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ እዋን መጋባእያ ስርዓት ዝሕሉ እዩ
  • ናይ መጋባእያ ተሓዝ መዝገብ፡ እዚ ከኣ ናይ ጽሑፍ ጹማቕ ናይ'ቲ ኣብ መጋባእያ ዝተገብረ የዳሉን ከምኡ ከኣ ናይ ወረቓቕቲ ፋይላት ድማ ይሕዝን
  • ናይ መጋባእያ ጸብጻብ ዘቕረብ፡ እዚ ድማ ቃል ብቃል ጸብጻብ ናይ ኣብ መጋባእያ ዝተባህለ ጸብጻብ የቕርብ

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳያት መን እዩ ዝኸስስ፧ 

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቤት ፍርዲ፡ ኣኽባር ሕጊ ዞባን ምክትላቱ/ታን ከኣ ንህዝቢ ናይ ካሊፎርኒያ ስተይት ይውክሉ። እዞም ኣኽበርቲ ሕጊ ከኣ ኣንጻር'ቲ ገበናዊ ተግባር ፈጺምካ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ኮተቴ ጉዳይ የቕርቡ።

ናይ በደል ጨንፈር ናይ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዞባ፡

2500 Fairmont Drive, 3rd Floor, San Leandro, California 94578 ቴለፎን: (510) 667-4470።

ነቲ ኮተቴን ስድሩኡን/ኣን መን ይውክሎም፧

እቲ ኮተቴን ወለድን ከኣ ብጠበቓ ክውከሉ መሰል ኣለዎም። እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ኮተቴ ከኣ ጠበቓ ክቖጽሩ ዓቕሚ እንተዘይብሎም ድማ፡ ቤት ፍርዲ ሓደ ክምዝዝ እዩ። ኣብ Alameda ካውንቲ፡ ቤት ጽሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ከኣ ንትሕቲ ዕድመ ንምውካል እዮም ዝምዘዙ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ከኣ ብምኽንያት ግጭት ናይ ረብሓ ነቲ ኮተቴ ክውክል ዘይክእል እንተኾይኑ፡ (ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ልዕሊ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ብገበን ይኽሰስ እንተሎ)፡ ናይ ግሊ ጠበቓ ክምዘዝ እዩ። ኣብ ዝኾነ ግዜ ከኣ ቤት ፍርዲ ናይ'ቲ ኮተቴ ወላዲ እንተድኣ ናይ ጠበቓ ክኸፍል ይኽእል እዩ ኢሉ ወሲኑ ኮይኑ፡ ቤት ፍርዲ ከኣ ወለዲ ናይ ጠበቓ ክፍሊት ክኸፍሉ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ጨንፈር ናይ ቤት ጽሕፈት ጥብቅና ህዝቢ ከኣ ኣብ ማእከል ፍትሒ ትሕቲ ዕድመ ኣብ 2500 Fairmont Drive, San Leandro 94578 እዩ ዝርከብ።

ተርጎምቲ ኸ  ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ ይርከቡ ዶ፧

ቤት ፍርዲ ድማ ነቶም ቋንቋ ኢንግሊሽ ዘይዛረቡ ወይ ድማ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ኮተቴ ብሕጊ ተርጓማይ ከቕርበሎም ይግደድ እዩ። ቤት ፍርዲ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ተርጓማይ የድሊ እንተኾይኑ ክፈልጥ ይደሊ እዩ።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሞኮንናት ከ እንታይ  እጃም እዮም ዝጻወቱ፧

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ሰብ-መዚ ከኣ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቤት ፍርዲ ብዙሕ ተራ ይጻወቱ እዮም። ናይ ሕጊ ፈጸምቲ ሰብ መዚ ድማ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ናብ መእለዪ ምስ ወሰድዎ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል መዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክልቀቕ ኣለዎ እንተኾይኑ ውሳነ ይህብ። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ፖሊስ ወይ ብናይ ገበን ጸብጻብ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ከኣ እቲ ኽስታት ናይ ገበን (ጥርዓን ዝብሃል) ኣብ ቤት ፍርዲ ክኣቱ ኣለዎ እንተኾይኑ ለበዋ ይህብ።

ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ድማ ነቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ጉዳይ ከምቲ እቲ ቤት ፍርዲ ዝደልዮ ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ኩሎም መጋባእያታት ይህሉ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ገበን ከም ዝገበረ እንተተረኺቡ ድማ፡ ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ናይ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ናይቲ ኮተቴ ከዳሉ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እንከላይ ለበዋታት ናይ ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን እቲ ኮተቴ እዩ።

ናይ ኣመክሮ በዓል-መዚ ከኣ ንኩሎም ኣብ ኣመክሮ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ይከታተል፡ እዚ ከኣ ሓዲኡ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ናይ ጉጅለ ገዛ፡ ኣብ ካልእ ናይ መንበሪ መሳለጥያ እዩ። ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ከኣ ን ኩሉ ናይ ከባቢ ናይ ቤት ማእሰርቲ መሳለጥያታት ናይ ትሕቲ ዕድመ የካይድን የመሓድርን። ከም ኣካል ናይ'ዚ ሓላፍነት፡ ናይ Alameda ካውንቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ከኣ ብዙሕ መደባት ናይ ክንክን፡ ሕክምናን መሪሕነት ናይ ኣብ ትሕቲኦም ዘለው ኮቴቴ ኣማዕቢሎም እዮም።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ከኣ ኣብ Juvenile Hall፡ 2500 Fairmont Drive ኣብ San Leandro እዩ ዝርከብ። ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣመክሮ ክፍሊ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ቴለፎን ከኣ (510) 667-4970 እዩ። ኣብዚ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ስም ሓላፊ ኣመክሮ እዚ ድማ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ንምክትታል ዝተመዘዘ ሰብ ክትረክብ ትኽእል።  ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ Alameda ካውንቲ ኣመክሮ ድማ ብኽብረትካ  ኣብ'ዚ ጠውቕ

ናይ Alameda ካውንቲ ክፍሊ ኣመክሮ

ወለዲ ወይ ኣለይቲ ኸ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ መጋባእያ ይሳተፉ ዶ፧

ወለዲ ወይ ሞግዚታት ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ መጋባእያ ክሳተፉ ይድለ እዩ። እዚ ቤት ፍርዲ ከኣ ወለድን ሞግዚታትን ከም ዝሳተፉ ንምርግጋጽ ግቡእ መገዲ ክጥቀም ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን፡ እንተድኣ ዳኛ ወለዲ/ሞግዚታት ከይህልዉ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝሓሸ ረብሓ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑኡ ወይ ክብድ ዝበለ ጸገም ንወለዲ ወይ ሞግዚታት ክህሉ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ እሞ ምስ ቤት ፍርዲ እንተድኣ ተዘትይሉ፡ ካብ ገለ ወይ ኩሉ መጋባእያታት ናይ ቤት ፍርዲ ካብ ምስታፍ ሕድገት ክግበረሎም ይኽእል እዩ።

ህዝቢ ኸ ናብ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ቤት ፍርዲ መጋባእያን ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ መዛግብቲ ክርኢ ይኽእል ዶ፧

ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ካብ ናይ ትሕቲ ዕድመ መጋባእያ ይወጽእ እዩ። ኮይኑ ግን፡ ቤት ፍርዲ ፍሉይነታት ክገብር ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ እንተድኣ እቶም ወገናት ኣብቲ ፍሉይ ጉዳይ ቀጥታዊን ምኹንይን ኣገዳስነት ኣለዎም ኮይኑ እዩ። እንተድኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ በደል ገለ ከቢድ በደል ዘለዎ ገበንተኸሲሱ ኮይኑ ህዝቢ ኣብ መጋባእያ ክፍቀደሉ ይኻል እዩ። ብኽብረትኩም ንዝያዳ ንጹር ሓበሬታ ኣብ WIC 707(b) ተመልከቱ።

ዋላ'ኳ ሕጊ ኣብ'ዚ ab ላዕሊ ዘሎ ኣጋጣሚ ናይ ህዝቢ ምእታው ዘይፈቅድ እንተኾነ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናይ ህዝቢ ምውጻእ ክሓትት ይኽእልን ከምኡ ድማ እዚ ምፍቃድ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ርትዓውን ዘይወገናውን መጋባእያ ካብ ምርካብ ርትዓዊ ዝኾነ ዝመስል ክዓግቶ ይኽእል ድዩ ኢሉ ክጸቕጠሉ ይኽእል እዩ። ሓደ ግዳይ ድማ ምውጻእ ናይ ህዝቢ ክሓትት ይኽእል እዩ፡ ከምኡ ድማ ንሱ/ንሳ ቃል ክህብ ከሎ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ግዳይ ናይ ጾታዊ ዓመጽ እንተኔሩን ትሕቲ 16 ዓመት እንተኔሩን ክጸቕጠሉ ይኽእል እዩ። ብካልእ ወገን ድማ፡ ሓደ ምስክር ድማ ኣብ ግዜ ቃል ምሃብ ማለት ክምስክር ከሎ ግለ ሰባት ድማ ደገፍ ክህቡ ናብ መጋባእያ ክኣትው ክሓትት ይኽእል እዩ።

እቲ ሕጊ ናይ ምፍቃድ ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ መዛግብቲ ከኣ ንገለ ሰነዳት ክርእዩ መሰል ዘለዎም ሰባት ብጽኑዕ ይዝርዝር። ካልኦት ኣብቲ ዝርዝር ብንጹር ዘይተጠቕሱ ሰባት ከኣ ነቲ መዛግብቲ ክርእዩ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፡ ኮይኑ ግን ሓደ ሕቶ ድማ ረብሓ ናይ ህዝቢ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዕድመ፡ ግዳያት፡ መሰካክር ወይ ነቲ ህዝቢ ብጠቕላላ ዝወረደ ሃስያ ከም ዝዓብዮ ከርኢ ኣለዎ። ንገለ ከበድቲ ናይ በደል ገበናት፡ ፖሊስ ከኣ ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመ ስም ክገልጹ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ 14 ወይ ልዕሊኡ እንተኾይኑ እዩ።

እዚ ክፋል ድማ ብዛዕባ'ዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣለዎ፡

  • ሓደ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቤት ፍርዲ ከመይ ይጓዓዝ
  • ዝተፈላለዩ ጉዳያት
  • ኣብ ክንክን፡ ሕክምናን ምርሒትን ናይ ትሕቲ ዕድመ እንታይ ትሕዞ እዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘሎ
  • ብኸመይ እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲ በተኽ ናይ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ እኹላት ሰባት ዝፍለ፧
  • ትሕቲ ዕድመ ከም ዓቢ ዝርኣየሉ ኣጋጣሚ

1. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳይ ብመገዲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ከመይ ኢሉ ይኸይድ፧

ኣብ ታሕቲ ከኣ ኣካይዳ ስእሊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ከመይ ኢሉ ብመገዲ ስርዓተ በደል ይቕጽል ዝብል ኣሎ። ዝተፈላለየ ናይ ውሳኔ ነጥብታትን ኣማራጺታትን ድማ ኣብዞም ነጥብታት ክትርእዩ ኢኹም። 

2. ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጉዳይ ዝጅምር፧

ሓደ በዓል-መዚ ፖሊስ ምስ ሓደ ገበን ፈጽሙ/ማ ኢሉ ዝኣመነሉ ትሕቲ ዕድመ ክራኸብ ከሎ፡ እቲ በዓል መዚ ድማ ከመይ ጌርካ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ትሕዞ፡ እዚ ድማ እቲ በዓል መዚ ንዝሓሸ ረብሓ እቲ ትሕቲ ዕድመን ኮምን እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ብምምርኳስ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣለዎ።

  • ሹዑ ንሽዑ ኣብቲ ቦታ፡ ኣብቲ ኑቑጣ ወይ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሽ ናይ ኣሃዱ ገኒሕካ ምልቃቕ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ኮም መደብ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቆልዑ መጽለሊ ናይ ዝተወጽዑን ዝተገለሉን ውሰዶ
  • ጥቕሲ ጽሓፍ እሞ ካብኡከኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ወለዱ/ዳ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኣዳራሽ ንክቐርቡ ቃል መብጻዓ ኣፈርሞም።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ'ቲ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሽ ናይ ኣሃዱ ውሰዶ

3. ምእታውን መርመራን

 እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኣትዉሉ ኣዳራሽ ናይ ኣሃዱ እንተተወሲዱ ድማ፡ እቲ ዝተመዘዘ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ከኣ ነቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ርክብ ምስቲ ሓላፊ ከቢብዎ ዘሎ ኩነታትን ጭብጥታትን ክምርምሮ ኣለዎ። ብዘይካ ኣብ እዋን ግድነታዊ ምልኣኽ ንምእታው ወግዓዊ ክስታት፡ እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ከኣ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ'ቲ ትሕቲ ዕድመ እንታይ ስጉምቲ ይወስድ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣለዎ። እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ከኣ፡

  • ነቲ ጉዳይ ምስ ኣተወ ከደቅሶ--ክለቅቕን ክገንሕን እንተድኣ እቲ በዓል መዚ ናይ ኣመክሮ ብዘይካ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ምግናሕ ወይ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ካልኦት ትካላትን መደባትን ናይ ኮም ምእታው ካልእ ስጉምቲ ከይወስድ እንተድኣ ወሲኑ፡ እቲ በዓል መዚ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜን እቲ ትሕቲ ዕድመን ብዙሕ ሮቋሒታትን ከምኡ ድማ እቲ ስርዓተ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር በደል እቲ ግቡእ መፍትሒ ናይ ትሕቲ ዕድመ ድዩ ኣብ ግምት እንተድኣ የእትዩን።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ናይ ዘይወግዓኣዊ ምክትታል የእትዎ። ካልእ ኣማራጺ ኣብቲ መእተዊ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ምእታው እዩ። ኣብ እዋን ስምምዕ ምስ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን/ወለዳን፡ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ከኣ ኣብቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ንጥፈታት ኩነት ከቐምጥ ይኽእል እዩ። እቶም ኩነታት ከኣ ከም ምስታፍ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ኮማዊ መደባት ምስታፍ እዚ ድማ ኣመለኻኽታ፡ ጠባይን ዝምድናታትን ንምምሕያሽ እዩ፡ ምድራት ማሕበራዊ ንጥፈታትን ምኽርን ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ከኣ ብሓፈሻ ን 6 ኣዋርሕ እዩ ዝኸይድ። እንተድኣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ግዜ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ንኩሎም ጠለባት ብዓወት ፈጺምዎም ኮይኑ፡ እዚ ዘይወግዓዊ ኣመክሮ ደው ክብል እዩ። ኣብ'ዚ 6 ኣዋርሕ እዚ ትሕቲ ዕድመ እንተዘይተዓዊቱ ድማ፡ እቲ ሓላፊ ናይ ኣመክሮ ጥርዓን ኣብ ምእታው ንቕድሚት ክቕጽል እዩ።
  • ነቲ ጉዳይ ድማ ወግዓዊ ክስታት ናብ ምእታው ልኣኮ። እቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ከኣ ምቕጻል ምስ ምእታው ወግዓዊ ክስታት እዩ፡ እዚ ድማ ጥርዓን እዩ ዝብሃል። እቲ ጉዳይ ከኣ ናብ ናይ ዞባ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ንምእታው ዝልኣኽ።

4. ስለምንታይ እዩ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ማእከል ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝቕየድ፧ 

ኣየናይ ስጉምቲ ንምውሳድ እናተሓስበ፡ ሓላፊ ኣመክሮ ከኣ ሓዲኡ ወይ ንምልቃቕ ትሕቲ ዕድመ ወይ ድማ ኣብቲ ማእከል ትሕቲ ዕድመ ንምሓዙ/ዛ ውሳኔ ክገብር ኣለዎ። ሕጊ ከኣ ነቲ ሓላፊ ኣመክሮ ቀጥታ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ሕድሪ ናይ ወለዱ/ዳ፡ ሞግዚት ወይ ከኣ ሓላፍነት ዝወስድ ዘመድ ክለቆ ይእዝዞ፡ እዚ ድማ ብዘይካ ንሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እዩ፡

  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ንዑኡ ዛኣሊ ወይ ዝቆጻጸሩ ወለዲ፡ ሞግዚት ወይ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ ዓቢ ሰብ እንተዘይብሉ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ገዛ ወይ መኸዲ መጓዓዝያ እንተዘይብሉ
  • ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመ ገዛ ከኣ ዘይብቑዕ እንተኾይኑ ከምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ምግላል ወይ ወጽዓ እንተተዳሪጉ
  • ቀጻሊ ሓላፍነት ኣገዳሲ እዩ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ ንካልእ ሰብ ወይ ንብረት ንምክልኻል
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ክሃድም እዩ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ትእዛዝ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ እንተጥሒሱ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ንህዝቢ ኣካላዊ ሓደጋ ዝፈጥር እንተኾይኑ

ዋላ'ውን ኣብ እዋን እቲ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣኽባር ሕጊ ናይ ዞባ ክልእኮ እንተወሲኑ፡ እቲ ሓላፊ ገና ክለቆ ወይ ድማ ክቕይዶ ኣማራጺ ኣለዎ። እቲ ሓላፊ ኣመክሮ እንተድኣ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ናይ ገዛ ምክትታል ክለቆ እንተወሲኑ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን፡ ሞግዚት ወይ ከኣ ሓላፍነት ዝወስድ ዓቢ ሰብ ድማ ክቐርቡን ከምኡ ድማ ዝኾነ ኩኡነት ናይ ምልቃቕ ክኽተሉን ናይ ጽሑፍ መብጽዓ ክፍርሙ ኣለዎም። እዞም ኩነታት ከኣ ምስቶም ናይ ዘይወግዓዊ ምክትታል ተመሳሰልቲ እዮም፡ ኮይኑ ግን ዝያዳ ደረትቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ናይ ገዛ ናይ ምክትታል ስምምዕ ከኣ ነቲ ሓላፊ ኣመክሮ ነቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ገዛን ዓራትን ክበጽሕ፡ ክፍትሽን ከምኡ ድማ ንብረት ከም መርትዖ ክሕዝን ከፍቅድ ይኽእል እዩ።

እንተድኣ ውሳኔ ናይ ዝዘይምልቃቕ ተዋሂቡ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ልዕሊ 48 ሰዓታት ክትሓዝ ኣይክእልን እዩ፡ እዚ ከኣ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መጋባእያ ዘይነበረሉ መዓልትታት ብምውጻእ እዩ (ቀዳመ ሰንበትን በዓላትን)። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ በደል ቤት ፍርዲ ጥርዓን እንተድኣ ኣትዩ ወይ ድማ እንተድኣ ክስታት (መረረ) ኣብ ናይ ዓበይቲ ቤት ፍርዲ እንተድኣ ኣትዩ፡ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክትሓዝ ይኽእል እዩ።

5. ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ በደል ጥርዓን ከ እንታይ እዩ፧

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እንተድኣ እቲ ናይ ኣመክሮ ሓላፊ ክስታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ክኣቱ ወሲኑ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዞባ መን እዩ ወግዓዊ ክስታት ከእቱ ለበዋ ክውሃብ እዩ። እቲ ጥርዓን ከኣ ሰነድ ኮይኑ፡ ብሓፈሽኡ ከኣ ንስም፡ ዕድመን ኣድራሻን ናይ ትሕቲ ዕድመ፡ ዝተጣሕሰ ክፍልታት ኣዋጅ፡ እቲ ክስታት ከኣ ገበን ድዩ ንኡስ በደል፡ ኣስማትን ኣድራሻን ናይ ወለዲ ወይ ሞግዚት፡ ሓጺር ቃል ናይ ጭብጥታትን ከምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ መእለዪ ድዩ ዘሎ ወይስ ተለቒቑ እዩ ዝብል ይሕዝ።

እንተድኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተቐይዱ ኮይኑ ጥርዓን ከኣ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናይ'ቲ ቀይዲ ክኣትው እዩ።

6. ናይ ቀይዲ መጋባእያ እንታይ እዩ፧

መጋባእያ ናይ እንተድኣ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ካብ ገዛ ክውሰድ ኣለዎ እንተኾይኑ ዝብል ጉዳይ ድማ ሓንሳብ እቲ ጥርዓን ምስ ኣተወ ክካየድ ኣለዎ። ነቶም ድሮ ዝተቐየዱ ትሕቲ ዕድመ እቲ መጋባእያ ከኣ ድሕሪ እቲ ጥርዓን ምእታዉ ኣብ ዝቕጽል ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቲ እዩ ዝስራዕ።

ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ መጋባእያ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ምኽንያት ናይ ስለምንታይ ንሱ/ንሳ ናብ ኣላዪ ከም ዝኣተወ፡ ባህርን ውጺኢትን ጉዳያት ናይ ቤት ፍርዲ በደል ትሕቲ ዕድመ፡ መሰል ናይ ብጠበቓ ምውካል ብምሕባር ክጅምር ይኽእል እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ጠበቓ እንተድኣ ዘይብሉ ክይኑ፡ ቤት ፍርዲ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ጠበቓ ክቖጸር ይኽኣል ኣይኽኣል ጠበቓ ክቖጽር ይኽእል እዩ። እንተድኣ ወለዲ ድሓር ናይ ጠበቓ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዘለዎም እንተተወሲኑ፡ ወለዲ ድማ ነቲ ካውንቲ ናይ ጥብቅና ክኽሕሱ ክድለዩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ምኽንያት ናይ ቀይዲ ክቃወም ብብዙሕ መገድታት መሰል ኣለዎ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቶም ናይ ፈለማ ቀይዲ ንምድጋፍ መርትዖ ዘቕረቡ ውልቀሰባትን ነቶም ኣብ እዋን ናይ ቀይዲ መጋባያ ሓበሬታ ዝሃቡ'ውን ክሓቶም ይኽእል እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ንደገፍቲ መሰኻክር ክጽውዖም ይኽእልን ከምእ ድማ ናቱ/ናት ዝምልከት ዘበለ መርትዖ ድማ ከቕርብ ይኽእልን። ንዕላማ ናይ'ዚ መጋባእያታት ጥራይ ድማ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ክስታት ናይ'ዚ ጥርዓን ሓቂ እዩ ኢሉ ክወስዶ ይኽእል እዩ።

ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ዝሰማማዕ ቀንዲ ቦታ ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ሓዲኡ ወይ ኣብ ናይ ገዛ ምክትታል ወይ ድማ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ማእከል እዩ ዝኣቱ። እንተድኣ ቤት ፍርዲ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ካብ ገዛ ክኣልዮ ወሲኑ፡ እቲ ውሳነ ኣብዞም ዝስዕቡ መሰረታት ክስረት ኣለዎ፡

  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ዝቐደመ ትእዛዝ ናይ ቤት ፍርዲ እንተጥሒሱ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ካብ ናይ ቀይዲ ማእከል ሃዲሙ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ እንተተለቒቑ ክሃድም እንተኾይኑ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ምሕብሓብ ይደሊ ምኽንያቱ እቲ ናይ ገዛ ሃዋሁው ውሑስ ኣይኮነን፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ውሉፍ እንተኾይኑ ወይ ኣብ ሓደጋ ናይ ምውላፍ እንተሎ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ብኣእምሩኡ ወይ ብኣካሉ እንተሰንኪሉን ከምኡ ድማ ነቲ ዝተባህለ በደል ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ንምእሳር ዘረጉድ እንተኾይኑ።
  • ኣድላይነት ምክልኻል ንካልእ ሰብን ንብረትን።
  • ትሕቲ ዕድመ ድማ ናቱ/ናታ ጠበቓ ካልኣይ መጋባእያ ክሓትት ይኽእል። እዚ ድማ ብዛዕባ ምኽንያት ቀይዲ ሓድሽ መርትዖ ክቐርብ ሕቶ እንተቐሪቡ እዚ ይፍቀድ እዩ።

7. መጋባእያ ናይ ሕጋዊ ስልጣን፧

ኣብ'ዚ ዝተባህለ ክስታት ድማ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ቀይዲ መጋባእያ ከኣ ክስራዕ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተቐይዱ እንተኾይኑ ወይ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ተለቒቑ እንተ ኮይኑ ንሱ ድማ 30 ናይ ካላንደር መዓልቲ ድሕሪ ናይ ቀይዲ መጋባእያ፡ እዚ ከኣ ነዚ ግዴታ ብምሕዳግ እቲ ግዜ እንተዘይተመጢጡ እዩ። መጋባእያ ክቕጽል ይኽእል እዩ፡ ኮይኑ ግን እቲ ንምቕጻል ዝሓትት ዘሎ ኣካል ከኣ ንምቕጻል ጽቡቕ ምኽንያት ከቕርብ ኣለዎ። ብሓፈሽኡ፡ ምቕጻል ከኣ ኣይተባባዕን እዩ፡ እንተተፈቒዱ ድማ፡ እቲ ዝቕጽል ናይ መጋባያ መዓልቲ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እዩ ዝስራዕ። ውሳኔ ኣብ ምግባር ከኣ እቲ ዳኛ ኣድላይነት ናይ'ቲ ትሕቲ ዕድመን ወለዱን ናቶም ሸነኽ እቲ ጉዳይ ንከቕርቡ እኹል ግዜ ክህልዎም ክዳለው ኣብ ግምት የእትዎ።

ኣብ ምጅማር ናይ መጋባእያ ክሊ ስልጣን፡ ዳኛ ከኣ ንትሕዝቶ ናይ ጥርዓን ከንብቦ ይኽእልን ይገልጾምን ድማ። እንደገና ድማ እቲ ዳኛ ንባህሪ እቲ መጋባእያ፡ ስርዓታቱን ተኽእሎ ውጺኢታትን ከገልጽ እዩ። ወለድን ሞግዚታትን ከኣ ንምኽፋል ተመላስ ገንዘብን መቕጻዕትታት ከኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክኸፍል እንተተኣዚዙ ብሓላፍነት ክትሓዙ ይኽእሉ እዮም። ዳኛ ድማ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ንሓቅነት እቲ ክስታት ይቕበሎ/ትቕበሎ እንተኾይኖም ክሕተቱ እዮም።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ዝተባህለ ክስታት ክቃወም ይኽእል እዩ። እዚ እንተኔሩ እቲ ውሳኔ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ክስታት መልሲ ከእቶ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ንሓቅነት እቲ ክስታት ምቕባል እዩ ዝብሃል። ከምዚ ኣብ ምግባር ድማ እቲ ዳኛ ከኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ክስታት ተቐቢልዎ እንተኾይኑ ነቲ ባህሪ እቲ ክስታትን ሳዕቤናቱን ብሙሉኡ ተረዲእዎ ዶ ኣይተረደኦን ክውስን ኣለዎ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ነቲ ክስታት እንተዘይተቐቢልዎ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ብኣኽባር ሕጊ ዞባ ዝቐረበ መርትዖታት ዝኣተወ ጭብጥታት ክቃወሞ ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ቀይዲ መጋባእያ፡ ኣኽባር ሕጊ ዞባ ከኣ ንጉዳዩ/ያ ዝድግፍ መርትዖ ከቕርብ እዩ ከምኡ ድማ እቲ ትሕቲ ዕድመ ድማ ብመገዲ ጠበቕኡ/ኣ ነቶም መሰኻክር መስቀላዊ ሕቶታት ከቕርብ፡ ናቱ/ታ መሰኻክርን መርትዖን ከቕርብን ከምኡ ድማ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክማጎት ይኽእል። ከምቲ ኣብ ናይ ዓበይቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ስቕ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።

እቲ ዳኛ ሓቅነት ናይቶም ኣብቲ ጥርዓን ዘለዉ ውንጀላታት ዝምልከት ውሳኔ ክገብር እዩ። ነባሮ ቤት ፍርዲ ኣካል ናይቲ ስርዓተ ጉድለት ግቡእ ኣይኮኑን። እቶም ክስታት ሓቂ ኮይኖም እንተተረኺቦም (ዝተረጋገጸ)፡ ቀጺሉ እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ግቡኣት ስጉምቲታት ነቲ ክንክን፡ፍወሳን ምኽርን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ንምውሳድ ንኽውስን ፍርዲ ከዳሉ እዩ። እቲ ዳኛ እቲ ክስታት ሓቂ ከምዘይኮነ እንተኣረጋጊጹ፡ እቲ ጥርዓን ዝተሰረዘ ይኸውን።

 8. እቲ ፈጻሚ ፍርዲ እንታይ እዩ፧

እዚ ፍርዲ እቲ ክስታት ዝተረጋገጸ እንተኾይኑ ይምደብ። ከምኡ’ውን ብቅጽበት ክተሓዝ ይከኣል። ወይ እቲ ፍርዲ እቲ ትሕቲ ዕድመ እንተተኣሲሩ ን 10 መዓልታት ወይ 30 መዓልታት ካብቲ ምምልካት እቲ ጥርዓን ይምደብ ብስምምዕ እንተዘይተናዊሑ።

ኣብቲ ፍርዲ ፍጻሜ፡እቲ ዳኛ እቲ ግቡእ ፍጻሜ ወይ ስጉምቲ ንክንክን፡ ፍወሳ፡ ምኽሪን መቅጻዕቲን ዘጠቓለለ ኣብቲ ትሕቲ ዕድመ ክውሰድ ዝግበኦ እንታይ ምኳኑ ክውስን እዩ። ቅድሚ ፍርዲ እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ናይቲ ኮተቴ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከዳሉ ይጥለብ። እዚ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓበሬታ ምስቲ ምፍጻም ናይቲ ጉዳይ ዝሰማማዕ፡ታሪኽ ስድራቤት ወይ ቤት ትምህርቲ፡ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ፡ ወግዓዊ መግለጺ ካብቲ ግዳይን ምስኽርነታትን ከጠቓልል እዩ። እዚ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ንኩሎም ተሳተፍቲ ሰባት ቅድሚ እቲ ፍርዲ ፍጻሜ ድልው ኮይኑ ክርከብ ይግባእ።

ኣብቲ ፍርዲ፡ ንግቡእ ፍጻሜ ብዝምልከት መርትዖ ክቐርብ እዩ። እቲ ማሕበራዊ መጽናዕቲን ካልእ ዝኾነ ምስዚ ጉዳይ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ በቲ ዞባዊ ኣኽብር ሕጊ ወይ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ናቱ/ናታ ጠበቓ ነቲ ዳኛ ኣብ ምግባር ግቡእ ወሳኔ ንክሕግዝዎ ይወሃብ። እቲ ግዳይ ብተወሳኺ ጽሑፋዊ ወይ ናይ ቃል ወግዓዊ መግለጺ ኣብቲ ፍርዲ ከቕርብ ይኽእል እዩ።

ኣብ ምውሳን እቲ ዝውስድ ስጉምቲ፡ እቲ ዳኛ ኣብ ግምት ከእትዎ ይግባእ።

  • ድሕነትን ውሕስነትን ናይቲ ኮም
  •  እቲ ኣገዳስነት ምእራም በደላት ኣብቲ ግዳይ
  • እቲ ዝበለጸ ጥቕሚ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ

እቲ ኩሉ መርትዖታትን ሓበሬታን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ክመርጾ ዝኽእል፡

  • ነቲ ርኽበታት ናይቲ ፍርዲ ሕጋዊ ስልጣን ንጎኒ ዝገድፎን ነቲ ጉዳይ ዝስርዞን፡እቲ ዳኛ እቲ ጥቕሚ ናይቲ ፍትሒን እቲ ድሕነት ናይቲ ትሕቲ ዕድመን ምስራዝ ዝጠልብ ኮይኑ እንተረኺብዎ ወይ እቲ ትሕቲ ዕድመ ፍወሳ ወይ ተሓድሶን ዘየድልዮ ኮይኑ እንተረኺብዎ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ን 6 ኣዋርሕ ኣብ ዘይወግዓዊ ቁጽጽር በቲ ክፍሊ ኣመክሮ የጽንሖ።
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣልያ ይግበረሉ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ወለዲ ከም ውሳኔ-ገበርቲ ነቲ ክንክን፡ ፍወሳን ምኽርን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ፍቓድ ክህብ ዝኽእል። ኣብዚ ኩነት፣እቲ ዳኛ ምሉእ ቊጽጽር ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ክወስድ ይኽእል ወይ ነቲ መጠን ቊጽጽር ናይቲ ወላዲ ወይ መጉዚ/መጉዚት ኣብ ልዕሊ እቲ ትሕቲ ዕድመ ይድርቶ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ተናባዪ ናይቲ ቤት ፍርዲ እንተኾይኑ፡ እቲ ዳኛ እዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ከም መፈጸሚ ናይቲ ጉዳይ ክገብር ይኽእል። (ብመስርዕ ናይቲ ዕቱብነት ተዘርዚሩ ኣሎ)፥

  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ ብዘይ ቊጽጽር ናይቲ በዓል መዚ ኣመክሮ የጽንሖ
  •  ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ገዛ ኣብ ኣመክሮ ብቊጽጽር ይሰዶ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ ብቊጽጽር ኣብ ገዛ ኣዝማድ የጽንሖ
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ክንክን ናባዪ፡ሊቸንሳ ዘለዎ ናይ ጉጅለ ገዛ ወይ ብሕታዊ ትካል የጽንሖ
  •  ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብ ውሽጣዊ ቦታ ተሃድሶ: ሕርሻ ከብቲ ወይ ግዝኣት መዓለሚ ሓይሊ ባሕሪ ይሰዶ፡
  • ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ካሊፎርኒያ በዓል መዚ መንእሰያት ይስደዶ

እቲ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ገዛ ወጺኡን ናብ ገዛ ዘመድ፡ክንክን ናባዪ፡ ናይ ጉጅለ ገዛ እንተተቐሚጡ፣ እቲ ምደባ ከም መቕጻዕቲ እንተዘይተቖጺሩ ከምኡ’ውን እቲ መደብ ናይቲ ጉዳይ ንመጻኢ እንተማዕቢሉ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ስሩዕ መርመራታት ናይቲ ምደባ ይጥለቡ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ውሑስ ቦታ እንተተቐሚጡ፡እቲ ዳኛ ነቲ ዝለዓለ ግዜ ናይቲ ማእሰርቲ ክሕብር ይግባእ። እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ካሊፎርኒያ በዓል መዚ መንእሰያት እንተሰዲድዎ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ኩነታት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ትምህርታዊ ስነ-ስርዓት መኣረምያ ወይ ካልእ መደባት እቲ በዓል መዚ መንእሰያት ዝህቦ ክረብሕ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣመክሮ እንተተቐሚጡ፣እቲ ዳኛ ገለ ግዜታትን ኩነታትን ኣብቲ ትሕቲ ዕድመ ክምድብ ይኽእል እዩ። እዚ ኩነታት ቀያዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ትሕቲ ዕድመ ገለ ቅዋማዊ መሰላት ከቋርጽ ይጥለብ፡ ንሳቶም ምኽንያታውን ኣቕረቦትን ነቲ ድሌታት እቲ ትሕቲ ዕድመ የማልኡ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ነዚ ዝስዕብ ክእዘዝ ይኽእል፡

  • ብዘይ ምኽንያታዊ ብኩራት ቤት ትምህርቲ ይሳተፍ
  • ኣብ ምምኻር ምስ ናቱ/ናታ ወለዲ ወይ መጒዚ/መጒዚት ይሳተፍ
  • ሰዓት እቶእቶ ይሕሉ
  • በቶም ኩሎም ሕግታት ይምእዘዝ
  • ንመርመራ ሓሽሽን ኣልኮልን ፍቓደኛ ይኸውን
  • ኮማዊ ኣገልግሎት የሰላስል
  • ብዘይ ክፍሊት ኣብ ናይ ስራሕ መደባት ይሳተፍ
  • ነቶም ንሱ/ንሳ ክትረኽቦም ዝ/እትኽእል ሰባት ይ/ትድርቶም
  • ናይ ምዝዋር ሓለፋታት ይድረት ወይ ይውንዘፍ
  • ካሕሳ ነቲ ግዳይ ይኽፈል ወይ ዕዳ ይኽፍል
  • ንፍተሻ ብዘይ ስልጣን ፍቓደኛ ኩን

ኣብዚ ኣብነት እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ካሕሳ ወይ ዕዳ ክኸፍል ኣብ ዝእዘዘሉ እዋን፡ እቲ ሓባራዊ ወይ በይኑ ሕጋዊን ኣካላውን ናብዮት ከምኡ’ውን ቊጽጽር ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝተኻፈለ ሰብ ነቲ መጠን ካሕሳ ወይ ዕዳ ሓላፍነታዊ ንሙኳን ድፍረት ይረኽብ።

9. ድሕሪ እቲ ፈጻሚ ፍርዲ እንታይ ከጋጥም ይኽእል፧

ብዙሓት ካልኦት ሕጋውያን ኣገባባት እቲ ትሕቲ ዕድመ ድሕሪ እቲ መደምደምታ እቲ ጉዳይ ክምደቡ ይኽእሉ እዮም።

  • ይግባይነት: እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ውጺኢት ናይቲ መስርሕ እንተዘይዓጊቡ ወይ እቲ ናቱ/ናታ መሰላት ዝተጋህሰ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ/ዋ፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ናቱ/ናታ ጠበቓ ናብቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብል ይ/ትኽእል እዩ/ያ፧ እቲ ትሕቲ ዕድመ ክቕጽል እንተደለየ፡ እቲ ምልክታ ናይ ይግባይ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ናይቲ ዝተገብረ ትእዛዝ ወይ እቲ ዕለተ ፈጻሚ ፍርዲ ክመልእ ይግባእ። እቲ ዞባዊ ኣኽባር ሕጊ ብተወሳኺ ነቲ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነት ይግባይ ክብል ይክእል እዩ።
  • ጠለብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንጎኒ ምግዳፍ: እቲ ትሕቲ ዕድመ ብተወሳኺ ነቲ ቤት ፍርዲ ከማሓይሾ ወይ ንጎኒ ክገድፎ ትእዛዝ ክጠልብ ይኽእል እዩ። እቲ ጠለብ ኣብ ለውጢ እቲ ኩነታት ወይ ሓድሽ መርትዖ ዝተምርኮሰ ክኸውን ይግባእ።
  • ዝያዳ ቀያዲ ፍርዲ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ዝተኣዘዘ ፍርዲ ዕውት እንተዘይኮይኑ፣እቲ ኮተቴ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክምለስን ዝያዳ ቀያዲ ፍርዲ ክጥለብ ይኽእል። ሓፈሻዊ እዚ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቶም ግዜታትን ኩነታትን ናይቲ ኣመክሮ ኣብ ዘይክተለሉ እዋን እዩ ዝፍጸም።
  • ጠለብ ምዕጻው መዝገብ ቤት ፍርዲ ትሕቲ ዕድመ: እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ናቱ/ናታ መዝገብ ትሕቲ ዕድመ ክዕጾ ክ/ክትጠልብ ይ/ትኽእል እዩ/ያ። እቲ ጠለብ ድሕሪ ምሕላፍ 5 ዓመታት ናይቲ ጉዳይ ወይ ኣብ ዝኾነ ግዜ ድሕሪ እቲ ሰብ ዕድመ 18 ምብጽሑ ክግበር ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ገለ ኩነት እቲ ትሕቲ ዕድመ ወይ እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ናብቲ መዛዘሚ መዛግብቲ ማእሰርቲ፡ ሰነድ እቲ ቤት ፍርዲ፡ መዝገብ ኣመክሮ፡ ተወሰኽቲ መዛግብቲ ናይ ዝኾነ ምስቲ ጉዳይ ዝትሓሓዝ መዛግብቲ ዘለዎ ካልእ ትካል ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል እዩ። እቲ ጠለብ ናብቲ ክፍሊ ኣመክሮ ክግበር ይግባእ። እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ እቲ ሰብ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክጠርዕ፡ ጥርዓን ከዳሉን ክስንድን፡ነቲ ቤት ፍርዲ ጸብጻብ ከዳሉ፡ ነቲ ጉዳይ ናብቲ ፍርዲ ክቕርብ ከምኡ’ውን ነቲ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ኣኽባር ሕጊ ከመልኽት ብቑዕ እንተኾይኑ ይውስን። እቲ ዳኛ ነቲ ጥርዓንን ነቲ ጸብጻብን ክምርምሮ እዩ። ቀጺሉ በቲ ጠለብ መሰረት ኣብቶም ፍሉያት ረቋሒታት፣ እቲ ዓይነት ክሲ ዘጠቓለለ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ፍርዲ ፈጺምዎ እንተኾይኑን ኣብ ትሃድሶ እንተጸኒሑን ከምኡ’ውን ብመሰረት እቲ ጉዳይ ዝኾነ ውሳኔ ዝጽበ ሲቭላዊ ምጒት እንተኣሎ ክፈርድ እዩ።

 10. ብኸመይ እቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ትሕቲ ዕድመ ካብቲ ቤት ፍርዲ ገበን እኩላት ሰባት ይፍለ፧

ነቲ መስርሕ ኣብ ሚዛናዊ ኣጠማምታ ንምስራዕ፣ እዚ ዝስዕብ ሰንጠረጅ እቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ትሕቲ ዕድመ ብኸመይ ካብቲ ገበናዊ ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት ከምዝፍለ ሓፈሻዊ መግለጺ ይህብ።

  ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ትሕቲ ዕድመ
ዕላማ እቲ ሕጋዊ ኣገባባት ሓፈሻዊ ንውሳኔ ገበነኛነት ወይ ንጹህነት። ንመቕጻዕቲ እቲ ገበነኛ ከምኡ’ውን ንውሕስነት ሕብረተሰብ። ንውሳኔ ሓቅነት እቲ ክስታት ኣብቲ ጥርዓን። እቲ ትእዛዝ ንወግዓዊ ኣልያ እቲ ትሕቲ ዕድመ ናይቲ ገበን ፍርዲ ኣይኮነን። ንምዕቃብን ዕቤትን ድሕነት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ። ንኣቕርቦት መቕጻዕትን ተሓታትነትን ምስ ጽኑዕ ተሃድሶ
እቲ ነቲ ሕጋዊ ኣገባባት ግዳይ ዝኾነ ሰብ ተኸሳሲ ትሕቲ ዕድመ
ነቲ ሕጋዊ ኣገባብ ዘበግስ ሰነድ ክሲ ጥርዓን
ቀዳማይ መጋባእያ ናብ ፍርዲ ምቕራብ (ነቲ ኣብ ናብዮት ዘሎ ወይ ዘየለ ተኸሳሲ) መጋባእያ ተሃድሶ (ነቲ ኣብ ናብዮት ዘሎ ትሕቲ ዕድመ)፡ መጀመርያ ቀዳማይ መጋባእያ ነቶም ኣብ ናብዮት ዘየለዉ
ዋሕስ ተፈጻምነት ክህልዎ ይኽእል ተፈጻምነት ዘይብሉ
ልዝብ ክርክር ክሱስ መብዛሕትኡ እዋን ዝግበር መብዛሕትኡ እዋን ዝግበር
ርኽበት-ሓቕታት ፍርዲ መጋባእያ ሕጋዊ ስልጣን
መሰል ናብ ነባሮ ቤት ፍርዲ እወ ኣብ ዝበዝሑ ኣብነታት ኣይፋል
መሰል ነቲ ዝተመዘዘ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ እወ፡ ነቲ ድኻ ተኸሳሲ እወ፡ ነቲ ድኻ ትሕቲ ዕድመ ወይ ነቶም ወለዶም ምኽፋል ዝኣበዩ
ዳንነት ውሳኔ ገበነኛ ወይ ገበነኛ ዘይሙዃኑ ክሲ ተረጋጊጹ እዩ ወይ ኣይተረጋገጸን
ውጺኢት መቕጻዕቲ ፈጽሚ ናይቲ ጉዳይ
ማእሰርቲ ሒደት ጸጋታት ናብ መዓላ ተሃድሶ ዝምደብ ኣዝዩ ብዙሕ ጸጋታት ናብ መዓላ ተሃድሶ ዝምደብ
ዕዳ ናይቲ ኣብ ዘይውሑስ ወይ ቤት-ተሃድሶ ዝጸነሖ ግዜ እወ እወ

11. መዓስ እዮም እቶም ትሕቲ ዕድመ ከም እኹላት ዝሕሰቡ፧

 እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መስርሕ ሓፈሻዊ ብኸመይ እቶም ትሕቲ ዕድመ በቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ከምዝምዕብሉ ይነድፍ። እንተኾነ፡ ክልተ ኣገድስቲ ካብ ልሙድ ወጻኢ ነገራት ኣብ ብኸመይ እቲ ስርዓት ነቶም በቲ ገበን ዝተኸሰሱ ትሕቲ ዕድመ ከምዝሕዞም ኣለዉ። ኣብ ክልቲኦም ኣብነታት፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ በቲ ስርዓት ናይ ቀይዲበተኽ ኣይሓልፍን እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ክንድኡ ናብ ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት እዩ ዝስደድ።

። ቀጥታዊ ምምልካት

ኣብ 2000፣ እቲ ሃገራዊ ኣሰራርዓ ሕጊ ከምኡ’ውን ካሊፎርንያ መረጽቲ እቲ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ኣብ ገለ ትሕቲ ዕድመ ተቐይሩ እዩ። ድሕሪ ምእታውን ምምማይን እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ነቲ ኩነታት ኣብ ከባቢ እቲ በቲ ክስታት ዝትኸሰሰ ትሕቲ ዕድመ ይምርምር ከምኡ’ውን ነቲ ጉዳይ ናብ ስነዳ የመሓላልፎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ክሲ ብቐጥታ ኣብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት ከመልክቶ ይኽእል።

እቶም ረቋሒታት እቲ ከሳሲ ኣኽባር ሕጊ ኣብዚ ውሳኔ ኣብ ግምት ከእትወም ዝግባእ ምናልባት እቲ ትሕቲ ዕድመ፣

  1. ኣቐዲሙ ብወግዓዊ ኣፍልጦ ኣብ ናብዮት ቤት ፍርዲ ብምኽንያት ገበን (ናይ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስርቂ ወዘተ) እንተጸኒሑ
  2. እቲ ገበን ዝፈጸመሉ እዋን ብውሑዱ ዕድመ 14 እንተኔሩ
  3. ሕሉፍ መዝገብ እንተኔርዎ፣ ኣብቲ እዋን ሓድሽ ጉዳይ ብውሕዱ ዕድመ 16 እንተኾነ ግን ትሕቲ ዕድመ 18 እንተኔሩ
  4. እቲ እዋናዊ ክሲ፣
  • ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት
  • ዝተፈተነ፡ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ቅትለት
  • እቲ መቕጻዕቱ ንሕልፈት ኣብ ማእሰርቲ ዝኾነ ግዱድ ምጭዋይ
  • ምስንባት ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ብምቕታል ዝኾነሉ ገለ ከበድቲ ገበናት (ናይ ቅትለት፡ዓመጽ፡ስርቂ፡ወዘተ)
  • ገለ ግዱድ ገበናት ጾታዊ ርኽብ

እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት እንተተመልኪቱ፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ግዳይ ናይቲ ኩሉ ሕጊ፡ ኣገባባትን መሰላትን ናይቲ እኹል ሰብ እዩ። እዚ ከምቲ ነቲ መጠን ናይቲ እኹል ሰብ ሓደ ዓይነት ገበን ምስፈጸመ ዝቕበሎ ሳዕቤናት የጠቓልል። እንተኾነ፣ ኣብቲ መደምደምታ ናይቲ ጉዳይ፣ ከምዚ ዓይነት ፍጻሚ ጉዳይ እቲ ዝበለጸ ግደ ሕጊ ዘቕርብ እንተኾይኑ ከምኡ‘ውን ምቕጻዕ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ኮም ከውሕስ ዝኽእል እንተኾይኑ፣ እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ብፈጻሚ ፍርዲ ትሕቲ ዕድመ ይውስን።

። መጋባእያ ብቕዓት

ድሕሪ ፍርዲ ማእሰርቲን ቅድሚ መጋባእያ ሕጋዊ ስልጣንን፣ እቲ ዞባዊ ኣኽባር ሕጊ፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ብቑዕን ምሉእን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ክተሓዝ ዝኽእልን እንተኾይኑ ንክውስን መጋባእያ ክጠልብ ይኽእል። እቲ ጠለብ ነዚ ጉዳይ ብመሰረት እቲ ክብደት እቲ ክሲን ዕድመ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ እዋን ገበን ኣተኩሮ ይህቦ።

እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ መጽናዕቲ ክገብር ይግብኦ። ብተወሳኺ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ባህርያዊ ኣርኣያታት፡ ማሕበራዊ ታሪኽን ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምውሳን እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ ክንክን፡ ፍወሳ፡ ነቲ በቲ ስርዓት ቀይዲበተኽ ዝወሃብ መደባት ተገዳስነት ዘርኢ እንተኾይኑ ጸብጻብ ከቕርብ ይግበኦ። እቲ በዓል መዚ ኣመክሮ ነቲ ርእይቶታት ጥዕና ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ክውስኽ ይግበኦ። እዚ ጸብጻብ ብተውሳኺ ንኹሎም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት ከርእዮም ይግባእ።

ኣብቲ መጋባእያ፡ እቲ ዳኛ ነቲ ጸብጻብ ናይቲ ኣመክሮ ከምኡ’ውን ዝኾነ መርትዖ ወይ ሓበሬታ ብክልቲኦም እቶም ዞባዊ ኣኽባር ሕጊን ጠበቓ እቲ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ግምት ከእትዎ ይግባእ። እቲ ቤት ፍርዲ ቀጺሉ ብመሰረት እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ክንክን፡ ፍወሳ፡ በቲ ስርዓት ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ዝወሃብ መደባት ተገዳስነት ዘርኢ እንተኾይኑ ውሳኔ ክገብር ይግበኦ። ኣብ ምግባር እዚ ውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ነዞም ዝስዕቡ መለክዒታት ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ፡

  • እቲ ዲግሪ ገበናዊ ምርቓቕ
  • እቲ ትሕቲ ዕድመ ቅድሚ እቲ መወዳእታ ናይቲ ሕጋዊ ስልጣን ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ክህደስ ዝኽእል እንተኾይኑ
  • እቲ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ
  • እቲ ውጺኢት ናይቲ ሕሉፍ ፈተነታት ንተሃድሶ እቲ ትሕቲ ዕድመ
  • እቶም ኩነታትን እቲ ክብደት ናይቲ እዋናዊ ክስታት

እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ንቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ብቑዕ ኮይኑ እንተረኪብዎ፣ቀጺሉ እቲ መስርሕ ንቕድሚት ናብቲ ሕጋዊ ስልጣን መጋባእያ ይቕጽል። እቲ ዳኛ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቀይዲበተኽ ዘይብቑዕ ኮይኑ እንተረኺብዎ፣ እቲ ዳኛ ነቲ ጥርዓን ክስርዞን ነቲ ትሕቲ ዕድመ ናብቲ ቤት ፍርዲ እኩላት ሰባት የሕልፎን። እቲ ዞባዊ ኣኽባር ሕጊ ነቲ መስርሕ ናይቲ ገበናዊ ቤት ፍርዲ እኩላት ሰባት ምስቲ ዝምላእ ጥርዓን ክጅምሮ እዩ። እቲ ትሕቲ ዕድመ ቀጺሉ ግዳይ ናይቲ ኩሉ ሕግታት፡ ኣገባባትን መሰላትን ናይቲ ገበናዊ ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት ይኸውን። እቲ ትሕቲ ዕድመ ብተወሳኺ ከምቲ መቕጻዕቲ እቲ እኹል ንሓደ ዓይነት ገበን ዝቕበሎ፣ ክቕበል ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ኣብነታት፣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ በዓል መዚ መንእሰያት ካሊፎርኒያ ነቲ መቕጻዕቲ ከተግብር ብቑዕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

። እቲ ትእዛዝ ካብቲ መጋባእያ ብቕዓት ደው ክብል ይኽእል’ዶ፧

እቲ በቲ መጋባእያ ብቕዓት ዝተገብረ ትእዛዝ ይግባይ ክበሃሎ ኣይኽእልን እዩ። ንምቕባል ጸብጻብ ይግባይ፡ እቲ ኣካል ወረቐት ትእዛዝ ነቲ መስርሕ ንቅድሚት ካብ ምቕጻል ደው ዘብል ክጠልብ ይግባእ። ነቲ መስርሕ ወረቐት ትእዛዝ ንምጅማር፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ነቲ መመልከቲ ንወረቐት ትእዛዝ ካብ 20 መዓልታት ድሕሪ እቲ ናይቲ ትሕቲ ዕድመ ቀዳማይ ምቕራብ ኣብቲ ክሲ ዘይድንጒ ከመልክት ይግባእ። እቲ ዞባዊ ኣኽባሪ ሕጊ ብተወሳኺ ነቲ ናይቲ ዳኛ ውሳኔ ”እቲ ትሕቲ ዕድመ ብቑዕ እዩ” ዝበሎ ንምብዳህ፣ ንወረቐት ትእዛዝ ከመልክት ይኽእል እዩ።

ኣነ ነቲ ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ክረኽቦ ወይ ክበቅዖ ይኽእል፧

ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎታት ን ብቑዓት ሰባት ካብቲ ሃገራዊ ኮርፖረይሽን ሕጋዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ይኽእሉ (ንኣብነት፡ ሕጋዊ ሓገዝ ማሕበረሰብ ከምኡ’ውን ትካል-ረዲኤት ሕጋዊ ኣገልግሎታት)። ብገበን ዝተኸሰሱን ጠበቓ ክገብሩ ግን ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት፣ ንነጻ ሓገዝ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተኸላኻሊ ክጠልቡ ወይ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ ብቑዕ እየ ኢልካ ትሓስብ እንተኾንካ፡ንስኻ ኣብቲ ናትካ መጀመርያ ምቕራብ ቤት ፍርዲ ንውከሳ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተኸላኻሊ ክትጠልብ ትኽእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ንስኻ ነቲ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተኸላኻሊ Alameda ካውንቲ ኣብ ፡ (510)670-5086 ኣብ South County ወይ (510) 268-7474 ኣብ North County።

ውሽጣዊ ሕጋዊ ሓገዝ መራኸቢታት

ካልኦት ጠቐምቲ መራኸቢታት 

  1. ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ
  2. ካሊፎርኒያ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ቤት ፍርድታት- ዶግቡክ
  3. ካሊፎርኒያ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ቤት ፍርድታት፡ ማእከል ን ስድራቤታት፡ቖልዑ ከምኡ’ውን ቤት ፍርድታት
  4. ኣቕርቦት ሕጊ -ነጻ ሕጋዊ መጽናዕቲ ኣብ ምሉእ ሸፈነ እቲ ሕጋዊ ጉዳይ።
  5. Alameda ካውንቲ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ
  6. CASA (ቤት ፍርዲ ምውሳን ቆጸራ ፍሉይ ሕጋዊ ሞጎተ) ናይቲ Alameda ካውንቲ
  7. Alameda ካውንቲ ነጻ መደብ ሜላታት ምምባር

1. ሰፊሕ ወግዓዊ ሕግታትን ቅጥዕታት፡ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ካሊፎርኒያ

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ካሊፎርኒያ ንስኻ ክትረኽቦ እትኽእል:

2. ውሽጣዊ ሕግታትን ቅጥዕታት: ላዕለዋይ ቤት ፍርዶ ካሊፎርኒያ፡ Alameda ካውንቲ

Unless authorized by statue, persons must petition the court to inspect a Juvenile Record. The Juvenile Court limits access to juvenile court records in accordance with California Rule of Court 5.552, and Welfare and Institution Code section 827. Juvenile court records may not be obtained or inspected by civil or criminal subpoena. Therefore, no information can be released over the telephone because photo identification cannot be verified, and this would include acknowledging that a juvenile case matter or file is on record.

If you are not authorized by Welfare and Institutions Code sections 828 and California Rule of Court 5.552, you must Petition the Presiding Judge of the Juvenile Court for access to police reports.

The required forms are: Petition to Obtain Report of Law Enforcement Agency (JV-575) and Notice to Child and Parent/Guardian re: Release of Juvenile Police Records and Objection (JV-580).

Fill out form JV-575, Petition to Obtain Report of Law Enforcement Agency. Print legibly and complete all relevant fields of the form. Indicate the name of the police department from whom you are requesting the report and the report number. Describe in detail the reason why you believe the records exist, how you intend to use them and why the records are relevant to your intended purpose.

Submit the original and two copies of forms JV-575, and JV-580 to the court. You may do this in person at the Juvenile Court Clerk’s Office, 2500 Fairmont Drive, Suite 3013, San Leandro CA 94578 on the 3rd Floor of the Juvenile Justice Center. You may mail your request to the address mentioned herewith.

The court will contact you by mail or phone as to the status of your request within ten to twelve weeks. The court may either deny or grant your request or ask for additional information. In some cases, the court may set your request for a hearing. If your request is granted, you will receive a certified copy of the order in the mail with instructions. Take the order to the policy agency and a valid identification card with you to obtain your copy of the police report.

Was this helpful?

This question is for testing whether or not you are a human visitor and to prevent automated spam submissions.