ቅጥዕታት
ቀጻሊ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ቅጥዕታት
ቀንዲ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ከኣ ከም ፒ.ዲ.ኤፍ (PDF) ፋይል ኮይኑ እዩ ዝዳሎ። ነዞም ፋይላት ንምርኣይ ወይ ብወረቐት ንምውጻእ ነቲ ናጻ ዝኾነ Adobe Acrobat Reader ወይ ካልእ ናይ ፒ.ዲ.ኤፍ (PDF) መንበቢ (reader) የድልየኩም። ናይ ኣዶበ (Adobe) ሓገዝ ድማ ኣብ'ዚ ኣሎ።
- ናይ ኣማራጺ ዘለዎ ናይ ግጭት ምፍታሕ ምስታፍ ምእዛዝ (Alternative Dispute Resolution) (ADR) ከምኡ ከኣ ምዱንጓይ ናይ ፈለማ ጉዳይ ናይ ምሕደራ ኣኼባ 90 መዓልትታት (ALA ADR-001)
- ናይ ADR ጥማር
- ጉድለት ዘለዎ መዘክር ንናይ ብኩራት ዘለዎ ፍርዲ ቅጥዒ AC-014
- ሕቶ ናይ መንበሪ ብ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከምኡ ድማ ናይ ትእዛዝ ቅጥዒ፡ MC 410 ቅጥዒ
- ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ካሊፎርንያ ናይ ሲቪላዊ ጉዳይ ናይ ቅድሚት ወረቐት ናይ ገጽ ቅጥዒ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ፡ CM-010
- ናይ ሲቪላዊ ጉዳይ ናይ ቅድሚት መወሰኽታ ቅጥዒ 202-19 (ንዘይተወሰኑ ወይ ደረት ዘይብሎም ጉዳያት ጥራይ)
- መግለጺ ምሕደራ ጉዳይ፡ ናይ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ቅጥዒ CM-110
- ናይ ደያኑ (Jury) ናይ ትሕጃ ናይ መምለሲ ቅጥዒ
- መግሊጺ ትእዛዝ ን ምኽፋል ናይ ወለድ ዝገብር ትሕጃ
- መመልከቲ ንምውጻእ ሲቪላዊ ገምጋም(ትራፊክ)
ምርዓም ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ
ንምርዓም ቆልዑ ዘገልግሉ ዝበዝሑ ቅጥዕታት ከኣ ናይ ምሉእ ግዝኣት ናይ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ቅጥዕታት እዮም ከምኡ ድማ ነቲ ናይ ምርዓም ጉዳይኩም ከገልግል ኣለዎ። ቅዳሕ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ከተእትዉዎ ዘለኩም ቅጥዒ ድማ ካብዚውሰዱ። ናይ ምርዓም ሕቶኹምን ተዛመድቲ ወረቓቕትን ድማ ኣብ ዝኾነ ናይ ኣብያተ ፍርድና ቦታታት ከተእትዉዎም ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ወረቐት ስራሕ ድማ ናብቲ ናይ ምርዓምኩም ናይ ምዝዛም መስርሕ ዝምደበሉ ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክልኣኽ እዩ።
ምርዓም እኩላት ሰባትን ምርዑዋት ትሕቲ ዕድመን
ናይ እኹላት ሰባትን ምርዑዋት ትሕቲ ዕድመን ናይ ምሉእ ግዝኣት ናይ ምርዓም ቕጥዕታት የሎን። ኮይኑግን ናይ Alameda ካውንቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከኣ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርዓማት ክትጥቀሙሉ እትኽእሉ ቅጥዕታት ኣዳልዩ ኣሎ። ብኽብረትኩም ነዞም ከም ምርጫኹም ክትጥቀሙሎም እትኽእሉ ቅጥዕታት ናብ እግሪ እዚ ገጽ'ዚ ስሓብዎ። ናይ ምርዓም ሕቶኹም ድማ ኣብ ዝኾነ ናይ ኣብያተ ፍርድና ቦታታት ከተእትዉዎም ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ወረቐት ስራሕ ድማ ናብቲ ናይ ምርዓምኩም ናይ ምዝዛም መስርሕ ዝምደበሉ ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክልኣኽ እዩ።
ናትኩም ናይ ምርዓም ናይ መፈጸምታ መጋባእያ
ናይ Alameda ካውንቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ናትኩም ናይ ምርዓም ናይ መፈጸምታ ናይ ቤት ፍርዲ ዕለት ንዓኹም ፍልይቲ መዓልቲ ሙዃና እዩ ዝርዳእ። ዋላ ርሕቕ ዝበሉ ቤተሰብኩምን ዕርከ-መሓዛን ድማ ነዚ ኣጋጣሚ ምሳኹም ኮይኖም ክካፈልዎ ዕዱማት እዮም፡ ስለ'ዚ ብኽብረትኩም ክሓብርኹም ጸውዕዎም ኢኹም። እቶም ኣብ ናይ ምርዓም ጉዳያት ዝመርሑ ደያኑ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ንስድራቤታት ኣብ ሙሉእ እቲ ኣጋጣሚ ስእልታት ወይ ቪድዮታት ክወስዱ የፍቅዱ፡ እዚ ድማ ክሳብ እቲ ስእሊ ኣብ'ቲ ናይ ምርዓም ጉዳያት ዝካየደሉ ክፍሊ ናይ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብ መጋባእያታት ዝተሓጽረ እዩ። ስለዚ ድማ ንስኹም ናብቲ ናትኩም ናይ ምርዓም ናይ መፈጸምታ ዕለት ክትመጹ ከለኹም፡ ካሜራኹም ምሳኹም ከተምጽኡዋ ኣይትሰከፉ።
ናብ ናይ ምርዓማት ፋይላትን መዛግብትን ዘሎ ናይ ምእታው ዕድል
ናይ ምርዓም ፋይላትን መዛግብትን ከኣ ምስጥራውያን እዮም ከምኡ ድማ ናብ ህዝቢ ክፉታት ኣይኮኑን። እቶም ዝርዕሙ ዘለው ወለዲን እቲ ጠበቓ ናይ መዝገብ ኣብ እዋን ምርዓም ከኣ ብሓፈሻ ናብ መዛግብቲ ናይ ምእታው መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ፡ ካልእ ግን እንከላይ እቲ ዝተራዕመ ሰብ፡ ቅድሚ ካብቲ ፋይላት ዝኾነ ሓበሬታ ምልቃቑ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከሕዝ ኣለዎ። ዝኾነ ናብ ናይ Alameda ካውንቲ ናይ ምርዓም መዛግብቲ ክርኢ ዝደሊ ሰብ ከኣ ነዞም ናይ ምርዓም መዛግብቲ ንምፍታሽ ሕቶ ከእትው ኣለዎ። ቅድሚ ምእዛዝ ንምልቃቕ ናይዞም ፋይላት እቲ ዳኛ ብሕጊ መሰረት እቲ ኣብ ናይ ምርዓም ፋይላት ዘሎ ሓበሬታ ክርኢ ዝሓትት ዘሎ ሰብ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ደረጃ ዘለዎ ንግድነታዊ ጠለብ ናይ ከምዚ ዝኣመስለ ምስጥራዊ ሓበሬታ ዘርኢ ከማልእ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ናይ ምእታው ሕቶታት ናብ ናይ ምርዓም ፋይላት ከኣ ዝበዝሕ ግዜ ይኽላእ እዩ። ንዝተራዕመ ሓው ትደሊ እንተድኣ ሃሊኻ፡ ንስኻ ምስጥራዊ ሞንጎኛ ክምዝዝ ንምሕታት፡ ናይ ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ ቅጥዒ ክትጥቀም ኣሎካ፡ እዚ ድማ ናብ ናይ ሓውኻ መዝገብ ናይ ምርዓም ንምርኣይ ንምሕታት እዩ። ኩሎም ሕቶታት ንምርኣይ ናይ ምርዓም ፋይላትን መዛግብትን ድማ ኣብ ዝኾነ ናይ ቤት ፍርዲ ቦታ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ከምኡ ድማ ናብቲ ዝምልከቶ ዳኛ ድማ ንገምጋምን ውሳኔን ክዞሩ እዮም።
ዓመታዊ ጽምብል ናይ ምርዓም መዓልቲ
ሕዳር ከኣ ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ምርዓምን ናይ ቀዋምነትን ወርሒ እያ፡ እዚ ግዜ ከኣ ነቶም ምርዓም ዝጽበዩ ቆልዑ ቀዋሚ መንበሪ ንምሃብ እዩ እቲ ኣድህቦ ናይቲ ጻዕሪ። ሃገራዊ ናይ ምርዓም መዓልቲ ድማ ኣብ ሕዳር ድማ ይጽንበል እዩ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለዋ ኣብያተ ፍርድን ኮማትን ድማ ፍሉይ ኣጋጣሚታትን ፍሉይ ናይ ምርዓም ጽምብላት ናይ ስድራቤታት ድማ የካይዳ። ናይ Alameda ካውንቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ከኣ ኣብዚ ዓመታዊ ጻዕሪ ክሳተፍ ሕጉስ እዩ፡ እዚ ድማ ን ናይ ቤት ፍርዲ ጸሓፍቲ ብወለንተኦም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምርዓም ናይ መፈጸምታ መጋባእያታት ክመርሑ ፍሉይ መዓልቲ ኣብ ሕዳር ብምስራዕ እዩ። ዋላ'ኳ እቲ ዓመታዊ ናይ ምርዓም መዓልቲ እቲ ማለት እቲ ኣጋጣሚ ናብ ህዝቢ ክፉት እንተዘይኮነ፡ እዚ ነቲ ቆልዑ ኣብ ሲስተም ቀዋሚ ምደባ ዝጽበይሉ መጠን ግዜ ንምንካይ ኮምና ንምሕያል የገልግል።
ቅጥዕታት
- ጥርዓን ን ምርዓም ናይ እኹል ሰብ ወይ ምርዑው ትሕቲ ዕድመ (ALA ADOPT-060)
- ስምምዕ ናይ ምርዓም ናይ እኹል ሰብ ወይ ምርዑው ትሕቲ ዕድመ (ALA ADOPT-065)
- ፍቓድ ናይ መጻምዲ ወይ ምዝጉብ ናይ ውሽጢ ዓዲ መናብርቲ ናይቲ ምርዓም ዝግበረሉ እኹል ሰብ ወይ ምርዑው ትሕቲ ዕድመ (ALA ADOPT-070)
- ትእዛዝ ናይ ምርዓም ናይ እኹል ሰብ ወይ ምርዑው ትሕቲ ዕድመ(ALA ADOPT-075)
- ናይ ምእዛዝን ትእዛዝን ግላዊ ናይ ቆልዓ ኣላዪ ዝመክር ሞንጎኛ ምምዛዝ (ALA FL-002)
- ናይ ሕሳብ ኪኢላ ዝምዝዝ ትእዛዝ (ALA FL-004)
- ናይ ገዛ ምሻጥ (Real Estate) ኪኢላ ዝምዝዝ ትእዛዝ (ALA FL-006)
- ጥብቆ ንምእዛዝ ምምዛዝ ናይ ቆልዓ ኣላዪ ገምጋሚ (form fl-327) (ALA FL-008*)
- መግለጺ ብዛዕባ ሓበሬታን ምብጻሕን ሕቶ ናይ ግዝያዊ ናይ ህጹጽ እዋን ትእዛዛት(ALA FL-010)
- መምርሒታት ናይ ምብጻሕ ቆልዓ ምክትታል (ALA FL-015-info*)
- ስምምዕ ክትትል ምብጻሕ ውላድ (Agreement for Child Visitation Supervision) (ALA FL-015*)
- መመልከትን ትእዛዝን ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ኣማኻሪ ክፍሊታት ኣብ ልዕሊ Cap (ALA FL-021)
- ጹማቕ ናይ ተቓውሞ ዝተገብረሎምን ዝተፈትሑን ጉዳያት (ALA FL-030)
- መመልከትን ትእዛዝን ናይምቕጻል መጋባእያ፡ ናይ ኩነት ኣኼባ፡ ወይ ድማ ናይ ምፍታሕ ጉዳይ ኣኼባ (ALA FL-035)
- መመልከትን ትእዛዝን ናይ ቴለፎን ርክብ (ALA FL-037) NEW
- ናይ ክነታት ርክብ መሕተቲ (ALA FL-040)
- ናይ ምሕደራ ጉዳይ ርክብ መሕተቲ ናይ ዝቕጽል ናይ ስድራ ሕጊ ክነታት ርክብ ወይ ናይ ስድራ ዘማእከለ ናይ ግዳይ መፍትሒ ርክብ (ALA FL-041)
- መእዘዝን ትእዛዝን ናይ ወለንታዊ ናይ ምድቕቓስ ኣኼባ (ALA FL-045)
- ሕቶ ንምፍታሕ ዝግበር ኣኼባ (ALA FL-050)
- ናይ ሓባር መመልከቲን ትእዛዝን ንምቕጻል ናይ ምድቕቓስ ኣኼባ፡ ነዊሕ ጠንቂ መጋባእያ ወይ መርመራ (ALA FL-055)
- መመልከትን ትእዣዝን ንምቕያር ወይ ንምውሳኽ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዕለት ናይ ቤት ፍርዲ (ALA JV-001)
- ለበዋታት፡ ምርግጋጽ፡ ከምኡ ድማ ትእዛዝ ናይ ሕክምናዊ፡ መጥባሕቲ፡ ናይ ስኒ ወይ ድማ ካልእ ክንክን ናይ ፍወሳ (ALA JV-002)
- መግለጺን መመልከትን ንምእታው ናብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ መዛግብቲ (ALA JV-003)
- ናይ ስድራቤት ቤት ፍርዲ መእዘዝን ትእዛዝን ከምኡ ከኣ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ንምዕጻው/ምምላስ ዘሎ ትእዛዝ (ALA JV-004)
- ናይ ሞግዚት ጥማር መሕትት
- ናይ ሞግዚት ናይ ምቁራጽ ጥማር
- ፍሉይ መምርሒታት ብዛዕባ ግዝያዊ ሞግዚትነት
- ሓፈሻዊ ውጥን ዓቃቢ
- መግለጺ ዓቃቢ ንብረት (ክፋል 2628)
- ጸብጻብ ህላዌ ተዓቃቢ